ሓይልታት ጸጥታ ርእሰ-ምምሕዳር ፑንትላንድ ኣንጻር ዕጡቓት ዳዕሽ ከቢድ ኵናት ድሕሪ ምክያድ ንኣገዳሲ መሕብኢ ጎቦታት`ቶም ግብረ-ሽበራዊያን ከም ዝተቖጻጸሩ ይሕብሩ`ለዉ። እንተኾነ እቲ ቀንዲ ደጀኖም ገና ከም ዘይተኣትወ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ንዳርጋ ሓደ ወርሒ ዝኸውን ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ሶማልያ ኣብ`ቲ `ቱርማሳለ` ዝብሃል ጎቦታት ኣንጻር ዳዕሽ ክዋግኡ ድሕሪ ምጽናሕ ነቲ ካብ ቦሳሶ 150 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ጎቦታት ተቖጻጸርናዮ ይብሉ ኣለዉ።
መራሒ`ታ ርእሰ-ምምሕዳር ስዒድ ዓብዱላሂ ደኒ ምስቶም ኣብቲ ኵናት ዝቆሰሉ ብምርኻብ ከተባብዖም ይርኣይ። ሓደ ላዕላዋይ ኣዛዚ ይርከቦም። ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ሶማልያ ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱላሂ ሸኽ ንድምጺ ኣመሪካ ክዛረብ ከሎ ምትሓዝ ቱርማሳለ ንዳዕሽ ዓቢይ ክሳራ`ዩ- ምኽንያቱ ቀንዲ ናይ ቀረባት መስመሮም ንሱ'ዩ ኔሩ ይብል።
“ካብዚ ቦታ እዚ እዮም መጥቃዕትታት ዘወሃህዱ ኔሮም። ተተኮስቲ ድሮናትን ነተጉትን ተጠቒሞም ንሓይልታት ፑንትላንድ የጥቅዑ ኔሮም። ቀንዲ መተሓላለፊ መስመሮም`ዩ። ስለዚ ንሓይልታት ፑንትላንድ ስትራተጂያዊ ዓወት`ዩ።" ይብል።
ካብ ክልቲኦም ወገናት ክሳራ ከም ዝወረደ ዝገልጽ ጀነራል ሸኽ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብቲ ቦታ ዝተገብረ ዝሓየለ ግጭት እዩ ኔሩ ይብል። ዳርጋ መዓልታዊ ውግእ ይካየድ ከም ዝነበረ፡ ሓይልታት ፑንትላንድ ዝበዝሐ ግዜ ብነተጉቲ ይጉድኡ ከም ዝነበሩ እንተኾነ በብግዚኡ እናገስገሱ ብምኻድ ንኣገደስቲ ድፋዓት ዳዕሽ ክቆጻጸሩ ከም ዝኽኣሉ ወሲኹ ይገልጽ።
ንሱ ኣስዒቡ ሽሕ`ኳ ሓይልታት ጸጥታ ፑንትላንድ ዓወታት የመዝግቡ እንተሃለዉ፡ ገና ናብታ ዳዳር ትብሃል ቀንዲ ደጀን ዳዕሽ ክበጽሑ ኣይከኣሉን ይብል። ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ሶማልያ ዝነበረ ብሪጋደር ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱላሂ ሸኽ ክሳብ ጾም ሮመዳን ግን ክቆጻጸርዋ ከም ዝኽእሉ ይእምት።
“ጽቡቕ ምድላዋትን ምቅርራባትን ዝተገብረሉ ስርሒት'ዩ። ካብቲ ኮሚኒቲ`ውን ኣገዳሲ ድጋፍ ዝረኸበ መደብ`ዩ። እቲ መጥቃዕቲ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ድጋፍ ከይተረፈ ዝነበሮ ስለዝኾነ ናብ ምሉእ ዓወት ክበጽሕ ይኽእ `ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ" ይብል ።
ዳዕሽ ኣብቲ ቦታ ቅድሚ 10 ዓመታት ኣቢሎም ዝተመስረቱ`ዮም። ገለ 20 ዝኾኑ ዕጡቓት ኣልሸባብ ካብቲ ጉጅለ ብምውጻእ ኣብ ሶማልያ ጨንፈር ዳዕሽ ከም ዘቖሙ ብምእዋጅ ተኣዛዝነቶም ድማ ንባግዳዲ ምዃኖም ኣፍሊጦም። እቲ ጉጅለ ብቑጽሪ ብዙሕ ኣይወሰኸን፡ ግን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ክስሕብ ጀሚሩ። ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከይተረፈ ተዋጋእቲ ክጽንበርዎ ጀሚሮም። ካብ ኢትዮጵያ'ውን ተጸንቢሮሞዮም። ገለ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካ፡ በደረጃ ዓለም'ውን ኣሚር ዳዕሽ፡ ኣብ ሶማልያ መራሒ ዳዕሽ ሸኽ ዓብዱላሂ ሙሚን'ዩ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብ ሶማልያ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ዳዕሽ`ውን ንዓለማዊ ፋይናንሳዊ መርበብ ከም ዘወሃህድ ተሰኒዱ'ሎ።
ኣመሪካ ንሓይልታት ሶማል ክትድግፍ ብፍላይ ድማ ንፍሉያት ሓይልታት ዳናብ ጸኒሓ`ላ። ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብን ዳዕሽን `ውን ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ጸኒሓ`ላ። ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ`ኳ ላዕላዋይ ኣዛዚ ኣልሸባብ ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ተቐቲሉ`ዩ።
ጀነራል ኣሕመድ ዓብዱላሂ ሸኽ ንባዕሉ ብኣመሪካ ዝሰልጠነ`ዩ፡ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ዳናብ ኮይኑ`ውን ኣገልጊሉ`ዩ። ኣብዚ ናይ ሕጂ ኣንጻር ዳዕሽ ዝግበር መጥቃዕቲ ግን ኣመሪካ ከም ዘይተሳተፈት ናይ ሞራል ድጋፍ ግን ከም ዝሃበት ይገልጽ።
“ክሕግዙ ይደልዩ`ዮም።ግን ሓይልታት ፑንትላንድ`ውን ብባዕሎም ጽቡቕ`ዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ሓይልታት ኣመሪካ ክድግፉ ዝጸንሑ`ኳ እንተኾኑ ሶማልያ ንጸጥተኣ ባዕላ ሓላፍነት ክትወስድ ኣለዋ ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለኒ" ይብል።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብቲ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ንወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶማልያ ስሒብዎ ኔሩ`ዩ። ገለ ሰበ-ስልጣን ሶማልያ ሕጂ'ውን ከይደግሞ ስግኣት ኣለዎም። ጀነራል ሸኽ ግን ክድገም `ዩ ዝብል እምነት የብሉን።
“ናይ ትኹረት ለውጢ ንርኢ ኣለና። ጸረ-ግብረ ሽበራ ትኹረትና ግን ክዝንጋዕ የብሉን። ግብረ- ሽበራ ገና ርኡይ ስግኣት`ዩ ዘሎ፡ ኣብ ሶማልያ ድማ ብርግጽ ስግኣት ጸጥ' ዩ። እኳ ድኣ ኣብ ሶማልያ ዝዓበየ ምንጪ ዘይምርግጋእ ግብረ- ሽበራ`ዩ።"
ኣብዲ ሓሰን ሑሰን ሓላፊ ፖሊስን ትካል ስለያን ፑንትላድ ዝነበረ'ዩ። ስግኣት ሽበራ ንሶማልያን ንከባብታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ከይተረፈ ዝልክም ስለዝኾነ ኣንጻር ዳዕሽ ዝግበር ስርሒት ወሳኒ`ዩ ይብል። እቲ ኩናት ነዊሕ ክቕጽል ከም ዝኽእል`ውን የጠንቅቕ።
“ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ንኽትግምቶ ዘጸግም`ዩ። እቲ ትዋጋኣሉ ከባቢ'ውን ብመንጽር መስመራት መተሓላለፍን ኣቀማምጣ መሬትን ኣጸጋሚ'ዩ። እዚ ድማ ነቲ ውግእ ከናውሖ ካብ ዝኽእል ምኽንያታት`ዩ" ይብል። ዳዕሽ ብወሳኒ ደረጃ ሓይሉ ተዳኺሙ`ዩ ኢሉ ከም ዘይኣምን`ውን እቲ ሓላፊ ፖሊስን ስለያን ፑንትላንድ ዝነበረ ኣጠንቂቑ`ሎ።
ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ድዕሽ ካብ 1,200- ክሳብ 1,600 ዝበጽሑ ተዋጋእቲ ከም ዘለውዎ ይእመን። ብኣቡ ኸሊል ዝብሃል የመናዊ ድማ ይምራሕ።