ብደርቂ ዝተጠቕዑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ናብ መዓስከራት እታ ሃገር ይውሕዙ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ከቢድ ደርቂ ዝተጠቕዑን ሓደጋ ጥምየት ዘንጸላለዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሶማልያዊያን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር ዝርኸቡ መዓስከራት ይውሕዙ። ሓደጋ ጥምየትን ስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዘጥቕዖም ህጻናትን ስድራቤቶምን ናብ ካብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ውጽእ ኢሉ ዝርኸብ መዓስከራት ይውሕዙ።ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ስደተኛታት መግቢ ንምርኻብ ንመዓልታት ኣብ ዝጉዓዘሉ እዋን ደቆም ብሰንኪ ጥምየት ክሞቱ ዝተዓዘቡ እዮም።