ዋሽንግተን —
ድሕሪ ምፍራም መዘከር ስምምዕ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድና ኢትዮጵያን ሶማልን ናብ ንቡር ንምምላስ ተወከልቲ ክልተኣን ሃገራት ኣብ ኣንካራ ቱሩኪየ ካልኣይ ዙር ዘይቀጥታዊ ርክብ የካይዱ ኣለዉ።
ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዲፕሎማሲያዊ ምንጭታት ንድምጺ ኣመሪካ ኣገልግሎት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝሓበሩዎ፡ ዛጊት ተወከልቲ ክልተኦም ኣካላት ገጽ-ንገጽ ኣይተራኸቡን። ኣብ ክንድኡ መንጎኛታት ቱርኪየ ንኽልተኦም ወገናት ብተንጻል የዘራርቡ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ቅድሚ’ቲ ዘይቀጥታዊ ዘተ ፕረዚደንት ቱርኪየ ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን፡ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ሓሸን ሸኽ መሓሙድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን ተዘራሪቡ ንኽልተኦም ኣብ ሓደ መዕለቢ ክበጽሑ ጸዊዑ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ከም ዘስፈሮ “ዓራቒ” ዝበሎ መንገዲ ክወስዱ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጹ። ፕረዚደነት ሓሰን ብወገኑ ሶማል “ንመሬታዊ ሓድነት ብዘይጻረር መንገዲ” ኢሉ ብዝጠቐሶ ክትተሓባበር ዘለዋ ድሉውነት ኣመልኪቱ ኣሎ።