ኢትዮጵያን ሶማልን፡ ብቱርኪየ ዝተሸምገለ፡ ካልኣይ ዙር ዘተ ከካይዳ’የን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪየ ሃካን ፊዳን - ፋይል

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪየ ሃካን ፊዳን ብምጥቃስ ከም ዘስፈሮ፡ ወከልቲ ኢትዮጵያን ሶማልን ንኻልኣይ ዙር ዝርርብ ንዝመጽእ ሰሙን ኣብ ኣንካራ ክራኸቡ’ዮም። ክልተኣን ሃገራት ድሕሪ ኣብ ባሕቲ ጥሪ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝተፈረመ ስምምዕ መዘከር ዝጸንሐን ዝምድና በቲኸን’የን ጸኒሐን።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያን ሶማልን ንተመሳሳሊ ሽምግልና ኣቐዲሞም ኣብ ኣንካራ ዝገበሩዎ ቀዳማይ ዙር ርክብ ብዘይፍረ’ዩ ተዛዚሙ።

ነቲ ሽምግልና ዝመርሕ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪየ ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ ምርኻቡ’ዩ ነቲ ካልኣይ ዙርያ ርክብ ዘጣጥሕ ዘሎ። ሃካን ፊዳን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ ምርኻቡ፡ “ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልን ዘሎ ወጥሪ፡ ኢትዮጵያ ንመሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ሶማል ብዘይ ትንክፍ መንገዲ ኣፈደገ ወደብ ምስ ረኸበት ክሃድእ’ዩ፡” ኢሉ።