ሶማሊያ ላዕለዎት ልኡኻት ናብ ግብጺን ኢትዮጵያን ትሰድድ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ ኣሕመድ መዓሊም ፊቂ ምስ መዘናኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ ኣሕመድ መዓሊም ፊቂ ዝምራሕ ጉጅለ መንግስቲ ሶማሊያ ናብ ግብጺ ክጓዓዝ እንከሎ፡ ብስቴት ሚኒስተር ሶማሊያ ዓሊ መሓመድ ዑመር ዝምራሕ ካልእ ጉጅለ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ተጓዒዙ ኣሎ። ናይ ግብጺ ጉጅለ ምስ መዘናኡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ተራኺቡ ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ፡ ስራሓት ጸረ-ግብረሽበራን ንሓድሽ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ኣብ ሶማሊያን ኣመልኪቶም ምዝርራቦም ካብ ቤት ጽሕፈት ወሃብ-ቃል ግብጺ ዝወጽአ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሐ ጉጅለ’ውን ድሕሪ ስምምዕ ኣንካራ ንኽልተኣን ሃገራት ኣብ ዝጠምር ጉዳያት ኣመልኪቱ ክዘራረብ ምዃኑ ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልጽ። ክልተኦም ወገናት ንሶማሊያን ኢትዮጵያን ኣብ ዘተኣሳስርን ንረብሓ ክልተኦም ኣካላት ኣብ ዝጠቅምን ጉዳያት ኣመልኪቶም ከም ዝዘራረቡ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ ጠቒሱ'ሎ።