ሶማሊያ ኣብ መቓዲሾ ንዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ ካብ ሃገራ ክወጽእ ኣዚዛ

  • ዜና ቪኦኤ

መንግስቲ ሶማሊያ ኣብ መቓዲሾ ንዝጸንሐ ቆንስል ኢትዮጵያ፡ ምስ ተልእኾኡ ዘይሳነ ተግባራት ፈጺሙ ብምባል ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብ ሃገራ ንኽወጽእ ኣዚዛ። ሶማሊያ ቆንስል ዓሊ መሓመድ ኣዳን ፈጺሙዎ ዝበለቶ ስሕተት ኣይገለጸትን። እንተዀነ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ዲፕሎማት ዓሊ መሓመድ ኣዳን “ንዲፕሎማሲያዊ ስምምዕ ቬና ዝጥሕስ ተግባራት” ፈጺሙ ክብል ብሓፈሻ ከሲሱ ኣሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ፈነወ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቢያት ጌታቸው ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝግበሮ ጻዕሪ ኣይሰለጦን።

ሶማሊያን ኢትዮጵያን ድሕሪ ናይ ባሕቲ ጥሪ ስምምዕ መዘከር ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ኣብ ቀጻሊ ምትፍናን ምህልወን ይዝከር።

ኣቐዲማ ሶማሊያ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ኣምባሳደር ኢትዮጵያን ኣብ ፑትንላንድ ሶማሊላንድን ዝነበሩ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ምዕጻዋ ይዝከር።