ኣብ መንጎ መንግስታት ሶማልያን ኢትዮጵያን ብ11 ታሕሳስ 2024 ኣብ ኣንካራ ቱርኪየ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ብሓያሎ ሃገራት ማለት ከም ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ዝመሰሉ ውድባትን ዓቢ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።
ብመሰረት ኣዋጅ ኣንካራ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ልኡላዊ ስልጣን ሶማልያ፡ ተጠቃሚት ኣፍደገ ባሕሪ ሶማል ክትከውን ተረዳዲአን ኣለዋ።
ዕጫ’ቲ ኣብ ባሕቲ ጥሪ 2024 ዝተበጽሐ መዘከር ስምምዕ ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ግን ዛጊት ኣይነጸረን።
ኣዋጅ ኣንካራ፡ ዝተጸውዐ መግለጺ ክልተኣን መንግስታት፡ኣመሪካ “ነቲ ዘሎ ምትፍናን ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘወግድን ነተን ሃገራት ድማ ብቐዳምነት ዘገድሰን ኩነታት ጸጥታ እቲ ከባቢ ሓቢረን ንኽሰርሓ መንገዲ ዘርሑን፡” ክትብል ገሊጻቶ። ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማቲው ሚለር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣብ ዘውጾ ጽሑፍ’ውን ቱርኪየ ነቲ ተበግሶ ብምውሳዳ ብምንኣድ፡ ኣመሪካ ንሓባራዊ ስራሕን ምትሕብባር ጸጥታን ከም እትድግፍ ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣቐዲሙ ድማ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን በይነ-መንግስታዊ ውድብ ኢጋድን ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብምምጓስ ድጋፎም ገሊጾም’ዮም።
ስምምዕ ኣንካራ ዝተሰምየ፡መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን ንኽልተኣን ሃገራት ንመሬታዊ ልኡላውነት ብዘይጻረርን ንኣህጉራዊ ስምምዓት ብዘኽብርን መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእል`ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልያን ግን ዝተሓዋወሰ ስምዒት’ዩ ፈጢሩ ዘሎ። ዝያዳ ኵሉ ድማ ንጹርነት የብሉን ይብሉ።