አልሸባብ ፅዕነት አፅዋራት ኣብ ዝተቀበለሉ ኹለን አዕንቲ ናብ ኤርትራ ይጥምታ'ለዋ

ሰራዊት ኬንያ ናብ አልሸባብ ዝተላእኸ አፅዋራት ዝፀዓና 2ተ ነፈርቲ አብዚ ሰሙን'ዚ አብቲ አልሸባብ ዝተቆፃፀሮ መዕርፎ ነፈርት ሶማል ዓሊበን ክብል አፍሉጡ።

ሰራዊት ኬንያ እተን ነፈርቲ ካበይ ከምዝመፃን ናይ መን ምኻነንን ዝበሎ የለን። ግን ኣብታ ፅንዕቲ ዕርዲ አልሸባብ ዝኾነት ደቡብ ማእኸላዊት ኸተማ ባይደዋ ነቲ ጉጅለ ሚሊሽያ ዝኸውን አፅዋር ሒዘን ከምዝዓለባ'ዩ ገሊፁ።

ፀብፃባት ሚድያታት ውሽጢ ሃገር ኬንያ ነቲ ፅዕነት ካብታ ንነዊሕ እዋን ንአልሸባብ ብምሕጋዝ እትኽሰስ ኤርትራ ዝመፀ ከይኾነ አይተርፍን ዝብል ፀብፃባት የውፅኡ'ለው።

ሚኒስትሪ ወፃኢ ኤርትራ ብወገኑ ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ነቲ ክስታት ብምንፃግ "ምህዞን ውፁእ ሓሶትን" ክብል ፀዊዕዎ'ሎ። ንኤርትራ ኣብ ምፅላምን ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ወፍሪ ብቀንዱ ናይታ ኣብቲ ዞባ ተፃረሪታ ዝኾነት ኢትዮጵያ 'ዩ ክብል'ውን ኸሲሱ'ሎ።

ኣብ ጉጅለ ተዓዛቢ ዓለም-ለኸ ቅልውላው ተንታኒ ዝኾኑ ራሺድ ኣብዲ ኤርትራ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሶማል ንዘለዉ ሚሊሽያታት ናይ ምሕጋዝ ታሪኽ አለዋ ድሕሪ ምባል "ግን ኤርትራ ደገፍ ምሃባ ቀፂላ'ላ ዝብል ዜና ንምርግጋፁ አዝዩ አፀጋሚ'ዩ" ይብሉ።

ራሺድ አብዲ አስዒቦም ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ብርግፅ ንአልሸባብ ዝደገፈትሉ ምኽንያት ምስኦም ብስነ-ሓሳብ ስለትሰማማዕ ዘይኾነስ ንፅልዋ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ንምቅዋም'ዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ዝአተወትሉ እዋን'ዩ እቲ ዝለዓለ ናይ ኤርትራ ኣብ ሶማል ምትእትታው ዝነበረ ክብሉ ራሺድ ኣብዲ ይዛረቡ።

ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ