ኣብ ሶማል ዘጋጠመ ደርቂ ፅምኢ ማይ ዝፃወሩ ኣግማል ከይተረፉ ይሃልቁ ኣለው

Your browser doesn’t support HTML5

(ገለ ምስልታት ዝሞቱ እንሰሳ ዘሰንብድ ምስሊ ከምዘለዎ ንሕብር) ኣብ ሶማል ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕሱም ድርቂ ንምድረበዳን ድርቅን ናይ ምፅዋር ተኽእሎ ዘለዎም ኣሽሓት ኣግማል ከይተረፉ ይሃልቁ ከምዘለው ተፈሊጡ።ኣግማል ንመጎዓዚያ፣ንጸባን ስጋን ዝጥቀሙ ሰብ ጥሪት ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ኣለው። ኣብ ሶማሊላንድ ዞባ ቶግድሂር ሓላዊ ኣግማል ዝኾነ ዳውድ ባሩድ ጃማ ስድርኡ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብስንኪ ደርቂ ልዕሊ 100 ኣግማል ከምዝሞቱዎም ይዛረብ።