ኮንፈረንስ ሶማልያ ኣብ ለንደን ተቓኒዑ

ኮንፈረንስ ሶማልያ 2017

ኣብ’ቲ ብሪጣንያ ዘዳለወቶ ኮንፈረንስ ሶማልያ መደረ ዘስምዑ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ እታ ግዳይ ደርቂ ኮይና ዘላ ሃገር ሓገዝ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከምዘድልያ ገሊጾም፣

‘ደርቂ ንዘስዐቦ ሓደጋ ንምቕልባስ ተወሳኺ 900 ሚልዮን ዶላር ክሳብ መወዳእታ’ዚ ዓመት ከድልየና’ዩ። ኹናት ሎሚ’ውን ንሶማልያ ይሃስያ’ሎ። ግህሰት ሰብኣዊን ዓለም-ለኸ ሕጊ ሰብኣዊነትን ብዘይተሓታታይነት ቀጺሎም ኣለው’ ኢሎም እቶም ዋና ጸሓፊ።

ፕረዚደንት ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ብወገኖም ‘ሃገሮም ካብ’ቲ ንርብዒ ክፍለ-ዘበን ዝጸንሓትሉ ሃዋሁ ኩናትን ቅልውላውን ንምውጽእ፣ ዝተዓጻጸፈ ቁጠባዊ ሓገዝ ከምዘድልያ’ ገሊጾም።

ኣብ’ቲ መድረኽ ዝተሳተፉ መራሒ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም ‘ኣብ ሶማልያን መላእ’ቲ ዞባን ሰላምን ህድኣትን መታን ክነግስ ደምና እናገበርና፣ መስዋእትነት እናኸፈልና ቅኑዕ ዘበል ንገብር ኣለና’ ኢሎም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኮንፈረንስ ሶማልያ