ኣብ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነታጕ 9 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሞቃዲሾ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነታጕ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ሞቓዲሾ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነታጕ ትሸዓተ ሰባት ሞይቶም። መብዛሕቲኦም መንእሰያት ኣብ ሓደ እንዳ ሻሂ ተኣኪቦም ጸወታ ፍጻመ ሻምፒዮን ኣውሮጳ እናተዓዘቡ ከለዉ`ዩ ኣብ ኣፍደገ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጕ ብምትኳሱ ትሸዓተ ሲቪላት ተቐቲሎም፡ 20 ካልኦት ድማ ምቑሳሎም በዓል-ስልጣን ጸጥታ ሶማል ይሕብር።

ነቲ መጥቃዕቲ ነታጕ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ወገን የለን። ትካል ሃገራዊ ጸጥታ ሶማል ግን እቲ መጥቃዕቲ በቲ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ኣል-ሸባብ `ዩ ተፈጺሙ ክብል ኣፍሊጡ`ሎ።

መንግስቲ ኣንጻር`ቶም እስላማዊ ዕጡቓት ሓያል ስጉምቲ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ተዛማዲ ህድኣት ተራእዩ ኔሩ።

እንተኾነ ብቐዳም`ውን ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ሞቓዲሾ ክሃድሙ ዝፈተኑ እሱራት ምስ ሓለውቶም ኣብ ዝገበርዎ ምትዃስ ሓሙሽተ ካብቶም እሱራት ክቕተሉ ከለዉ ሰለስተ ሓለውቲ`ውን ሞይቶም።

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ሃገራዊ ሰራዊቱ ምስ ከባቢያዊ ምልሻን ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኣወሃሂዱ ኣብ ልዕሊቶም ጅሃዳውያን ምሉእ ኵናት ኣዊጁ ምህላዉ ይፍለጥ።