ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጉ ሸሞንተ ሰባት ሞሟቶምን ኣርባዕተ ድማ ቆሲሎም

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጉ ሸሞንተ ሰባት ሞሟቶምን ኣርባዕተ ድማ ቆሲሎም

ኣብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ሶማል ኣብ መደበር ፖሊስ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጉ ብምትኳሱ ሸሞንተ ሰባት ክሞቱ ኸለው ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ቆሲሎም።

ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ካብቲ ቦታ ኣሕመድ ሓሰን ኦላድ እቲ መጥቓዕቲ ንዋበሪ መደበር ፖሊስን ነቲ ንጥፈታት ዝበዝሖ ጎደና ማካ ኣል ሙካራማህ ዒላማ ዝገበረ ምኳኑ ሓቢሩ።

ኣብ እዋን እቲ መጥቓዕቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኣሕመድ ሓሰን ኦላድ ቶያታ ዝዓይነታ መኪና ብፍጥነት ናብቲ መደበር ፖሊስ ኣቢላ ክትጉዓዝ ምርኣዩ ገሊጹ’ሎ።

ነቲ መጥቓዕቲ ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ዝወሰደ አካል የለም እንተኾነ ግን ጥሩፍ ጉጅለ አልሸባብ ኣብቲ ከባቢን ኣብ ህንጻታት መንግስትን ተደጋጋሚ መጥቓዕቲ ከኻይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ቅድሚ ክልተ መዓልቲ አልሸባብ ኣብ ሓደ ህንጻ ብዘኻየዶ መጥቓዕቲ 10 ሰባት ምቕታሎም ይፍለጥ።