ዋሽንግተን —
ከተርቲ ባሕሪ(ቀርሰንቲ) ሶማል ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንሓንቲ ናይ ባንግላደሽ መርከብ ጨውዮም።
እዚ ፍጻመ፡ ኣብቲ ዞባ ዳግም ክትራን ባሕሪ ይምለስ ከም ዘሎ ዘምልክት ኮይኑ`ሎ።
እቶም ቀርሰንቲ ናብታ መርከብ ድሕሪ ምድያቦም ብእኡ ንብእኡ`ዮም ነቲ ካፕቴንን ምኽትሉን ጅሆ ሒዞሞም።
ኣብ ባሕሪ ክግበር ዝጸንሐ ሓለዋ መራኽብ ክጎድል ድሕሪ ምጅማሩ እቶም ከተርቲ ነቲ ኩነታት ክምዝምዙ ከምዝኸኣሉ`ዩ ጸብጻብ ሮይተርስ ይገልጽ።
ኣህጉራዊ ትካላት መስመር ባሕሪ ብዛዕባ`ዚ ዳግም ዝቀላቐል ዘሎ ክትራን ባሕሪ ሻቕሎቶም ከስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ብወገኑ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቲ ሃገሩ ትገብሮ ጻዕሪ ሓለዋ ባሕሪ ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፍን ክተሓጋገዝን ጻውዒት ኣቕሪቡ`ሎ።