ዋሽንግተን —
መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ፑንትላንድ ንዝረከቡ ኣባላት እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ንምህዳን ሓይልታት ጸጥታ ወታሃደራዊ ስርሒት ምጅማሮም ኣፍሊጦም። ብወገን መንግስቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዝተዘርግሐ፡ ኣባላት እቲ ጥሩፍ ጉጅለ ዝተባህሉ ሬሳታት ክልተ ዕጡቓት ኣርእዮም። እቲ ዝተዘርግሐ ምስልታት መሕበኢ እቶም ተቓለስቲ ምዃኑ’ውን የመልክት።
ዳዕሽ ኣብ ሶማልያ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ከም ዘለዎ ይንገር። እቶም ካብ በበይኑ ሃገራት ዝተዋጽኡ ዕጡቓት ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ማእከላይ ምብራቕን’ውን ይርከቡዎም። እቲ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ምስ ኣልሸባብ ዘይቃዶ ኰይኑ፡ ኣቐዲሙ ምስ ኣልሸባብ ብዝነበረ ሸኽ ዓብደልቃድ ሙሚን ዝተመስረተ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ኣመሪካ ንመራሒ እቲ ጉጅለ ንምቕንጻል ፈቲኑ ግን ከም ዝደሓን ይግለጽ።