ንኣስታት 100 ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ጠለብ መጽሓፍቲ ምስ’ቲ ብዝሒ ህዝቢ ክወዳደር ከሎ ብጣዕሚ ውሑድ’ዩ።ብፍላይ ድማ ብቋንቋታት’ታ ሃገር ዝተጻሕፉ መጽሕፍቲን፡ ናይ ምንባብ ልምዲ ዘለዎም ቁጽሪ ሰባት’ውን ምስንምልከት፡ ካብዚ 100 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ 49 ሚእታዊ ዘይተማህረ’ዩ።
ዋሽንግተን —
ነዚ ዝተረድኣ ክልተ ኣሓት ናይ ቆልዑ መጽሓፍቲ አሕቲመን ምውጻእ ጀሚረን። እዚ መጽሓፍቲ ኢትዮጵያዊያን ቆልዑ ብዝርድእዎ መልክዕ ዝተዳለወ መጽሓፍቲ’ዩ።
ሓንቲ ካብዘን ኣሓት ጽዮን ኪሮን ትብሃል ንእሽቶይ ከላ ብአምሓርኛ ዝተጻሕፉ መጽሕፍቲ ብዘይምንባሮም ነቲ ናይ ምንባብ ድሌታ ንምርዋይ ናይ እንግሊዝ መጽሓፍቲ እንዳንበበት ከምዝዓበት ትገልጽ።
ጽዮን ምስ ሓፍታ ብምዃን’ያ ነዚ ናይ ቆልዑ መጽሓፍቲ ናይ ምሕታም ስራሕ ዝጀመረቶ። ንመጀመርያ ጊዜ ዘሕተምኦ መጽሓፍ ድማ ባህልን ልምዲን እቲ ሕብረተሰብ ብዘንጸባርቕ መልክዑ ዝተዳለወ ዛንታ አፈ-ታሪክ ስኒ’ዩ። ምኽንያቱ ቆልዑ ባህልን ልምድን ሕብረተሰቦም እንዳፈለጡ ክዓብዩ’ኣለዎም ትብል ጽዮን። ጽዮን ብተወሳኺ ንሳ ንእሽቶ አብ ዝነበረትሉ ጊዜ ተንብቦ ዝነበረት ኣፈ-ታሪክ ስኒ ምስቲ ዘዕበያ ባህልን ልምድን ናይ ኢትዮጵያ ዘይተሓሓዝ ከምዝነበረ’ዩ ትገልጽ። ስለዝኾነ ድማ እዘን ክልተ ኣሓት አፈ-ታሪክ ስኒን ካልኦት መጽሓፍትን ቆልዑ’ታ ሃገር ብዝርድኦምን ዝፈልጥዎን መዳይ ዘሕተማ ዘለዋ።
ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።
Your browser doesn’t support HTML5