ሲስተር ካሕሳ ሓጎስ ኣብ ዓለምለኸ መደብ ሽልማት ተዓዊታ

Your browser doesn’t support HTML5

ሲስተር ካሕሳ ሓጎስ ኣብ ዓለምለኸ መደብ ሽልማት ተዓዊታ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ብናይ ውልቀ ፃዕራን ወፃኢታትን ክትሕብሕብ ዝፀንሐት በዓልቲ ሞያ ሕክምና ሲስተር ካሕሳ ሓጎስ ፡ ግሎባል ኣፌርስ ካናዳ (Global Affairs Canada) ደቂ ኣንስትዮ ሰላምን ፀጥታን (WPS AWARD) ኣብ ዝተባህለ ዓለምለኸ መደብ ሽልማት ተዓዊታ።

ኣብቲ ብቪድዮ ኮንፈረንስ ዝተሳለጠ መድረኽ ሽልማት ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ካናዳ ሜለኒ ጆሊ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ብኹሎም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ብምጥቃስ ነቲን ግዳያት “ፈላመይቲ ኣፋፍኖት ተስፋን ብርሃንን ዝኾነተን ግን ንሳ እያ ነይራ” ክብላ ተዛሪበን።

14 ግንቦት 2024 ኣምባሳደር ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ዲፕሎማት ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ክልል ትግራይ ሲስተር ካሕሳ ሓጎስ ሽልማታ ክትቅበል ምዃና ሓበሬታ UNFPA ይገልፅ።