ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ንልዝብ ሰላም ቓዛ ብዕቱብ ከም ዝሰርሕሉ ሓቢሮም

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ሎሚ ረቡዕ ምስ ናብ ካይሮ ዝተጓዕዙ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ንልዝብ ሰላም ቓዛ ብዕቱብ ከም ዝሰርሑሉ ሓቢሮም። ምብጻሕ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሰዓታት ድሕሪ ንህዝቦላሕ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣብ ሊባኖስ ነቲ ልዝብ ድሕሪ ምትሕልላኹ'ዩ። ኲናት ቓዛ ካብ ዝጅመር ን 10ይ ጊዜ ናብቲ ዞባ ዘምርሑ ብሊንከን ኣብዚ ናይ ሕጂ ምብጻሕ ናብ ካልኦት ሃገራት ናይ ምብጻሕ ውጥን ከም ዘለዎም ክሳብ ሕጂ ኣይተገልጸን።

ኣብ መንጎ ኣመሪካ ግብጺን ቐጠርን ሓባራዊ ጻዕሪ ንልዝብ ሰላም፡ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ምልውዋጥ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉን እሱራትን ብዕቱብ ክሰርሕሉ ከም ዝተዘራረብሉ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ሓቢሩ።