ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ሊብያ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ

ፋይል - ሰርጥ ሊብያ

ኣመሪካ​ ኣብ ሊቢያ ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ዝቆጻጸሮ ምራቓዊ ገማግም​ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝፈፀመት ሚንስቴር ምክልኻል እታ ሃገር ፔንታጎን ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ​ ሰበስልጣን ኣመሪካ​ን ሊቢያን: ሰርጥ​ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ፅኑዕ ትሕዝቶ ዳዕሽ ደብዳብ ነፈርቲ ዝተፈፀመ ብሕቶ ብሕቡራት መንግስታት ዝድገፍ መንግስቲ ሊቢያ እዩ።

ነቲ ደብዳብ ፕሬዝዳንት​ ​ባራክ ኦባማ​ ከምዝኣዘዙዎ ፔንታጎ ብተወሳኺ​ ገሊፁ’ሎ።

መንግስቲ ሊቢያ ወሳኒን ስትራተጂያውን ገስጋስ ንምግባር ክኽእል ምእንታን ደብዳብ ነፈርቲ ኣመሪካ ክቕፅል እዩ።

ዳዕሽ ንዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ሰርጥ ትሕዝቶታቱ ክሰፍሕ ፀኒሑ’ሎ።