ኣብ ሰራልዮን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ 200 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ሰራልዮን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅን ምንሽርታት ጭቃን ልዕሊ 200 ሰባት ምሟቶም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

እዚ ሎሚ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሓደጋ ድሕሪ ንነዊሕ ሰዓታት ዝሃረመ ዝናብ ዘጋጠመ ምኳኑ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ይሕብሩ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ሰራልዮን ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጂ 200 ሰባት ሞይቶም

ሰራሕተኛ ቴክኒክ ኣብ ኮናኡት ሆስፒታል ዝኾነ ሲነህ ካምራ ንመራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል ብሰንኪ ስእነት ቦታ ሬሳታት ኣብ መሬት ከምዝርኸቡ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ ብዙሓት ሰባት ኣብ ገዝኦም ደቂሶም ብምንባሮም ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል የረድእ።

መደበር ቴሌቭዥን እታ ሃገር ንመደበኛ ፈነወ ኣቋሪጹ ሰባት ንፈተውትን ቤተሰብ ከናድዩን ምውታት ተሰኺሞም ክንቀሳቀሱ ከምዘርኣየ ተፈሊጡ’ሎ።

ሰበ ስልጣን መንግስቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ብምውፋር ነቲ ህይወት አድሕን ስርሒት ይሳተፉ ከምዘለው፡

ምክትል ፕረዝደንት እታ ሃገር ቪክሮት ፎር ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሕሉ ”ብዙሓት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ሞይቶም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎም ዘይሕጋዊያን ህንጻታት’ውን ኣብቲ ቦታ ኔሮም’ዮም” ኢሎም።