ሴራልዮን፡ ንቐዳም 24 ሰነ 2023 ንሃገራዊ ምርጫ ተምርሓሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ኣብ ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ዝተሳተፉ ዜጋታት ጎንጺ ንምጕዳል ይጽዕሩ ኣለዉ። ቀንዲ ኣተኵሮኦም ኣብቶም፡ ነቲ ካብ 1991 ክሳብ 2002 ዝነበረ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ዘይተሳተፉ መንእሰያት’ዩ።
ካሊ ማራ፡ ኣብ 1991 እቶም ተቓለስቲ ንመንበሪ ቤተሰቡ ከጥቅዑ እንከለዉ ወዲ 8 ዓመት’ዩ ነይሩ። እዚ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ሰራልዮን ምዃኑ’ዩ።ኣምኡ ከመይ ከም ዝተቐትለትን ምልእቲ ዓዲ ክትቃጸል እንከላን ድማ እናነብዐ ይዝክሮ።
“ክልተ ኣጥባት ኣሞይ ቆሪጾሞ። ድሕሪኡ ደም ወዲኣ ሞይታ። ብገመድ ኣብ ገዛና ኣሲሮም ብበትሪ ኮርሚጆምና። ሰብኣይ ኣሞይ ገንዘብ ወይ ድማ ከብቲ ክህቦም’ሞ ንበዓልቤቱ ክምሕሩዋ ለሚኑዎም። ኣይሰምዑዎን ግን። ደም ኢና ንደሊ ኢሎም ንዕኡ’ውን ተኲሶም ቀቲሎሞ።”
ከም ካሊ ማራ ዝኣመሰሉ ካልኦት ዜጋታት እቲ ደማዊ ጎንጺ ከይድገም ከቢድ ፍርሒ ኣለዎም። እቶም ብጎስጓሳት እናረሰኑ ዝኸዱ ዘለዉ መንእሰያት በቲ ዘርእዩዎ ዘለዉ ነድሪ ሻቕሎቶም ይገልጹ። ካብ ወርሒ ነሓሰ ኣትሒዙ ብሰንኪ እናገደደ ዝመጽእ ዘሎ ምጕህሃር 25 ዜጋታት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ፋቱ ገዋ ኣብ ፍሪታውን እተሰርሕ መምህር’ያ። ክመጽእ ካብ ዝኽእል ጎንጺን ህዝባዊ ናዕቢን ፈሪሖም ሓያሎ ጎረባብታ ናብ ገጠራት ከም ዝኸዱ ትነግር።
"ገለ መንእሰያት እንተ ዘይተዓዊቶም ክቃለሱ ምዃኖም የምልክቱ ኣለዉ። ገሊኣቶም ከኣ ናይ ዝሓለፉ እዋናት ምርጫ ፍትሓውያን ኣይነበሩን ይብሉ። ነቲ ቅድም ዝነበረ ዝብሉዎ ዘይቅኑዕ ምርጫ ሕጂ ክቃለሱዎ ምዃኖም ይነግሩ ኣሎዉ። ብዝዀነ ዋጋ ክቃለሱ ምዃኖም’ዮም ዝሕብሩ።”
“ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ንሓቛፊ ዝርርብ” ዝተሰምየ በርጌሳዊ ምትእኽኻብ ልዕሊ 100 ኣብ ተመሳሳሊ ዕላማ ዝኣምና ትካላት ዝሓቍፍ’ዩ። እዚ ትካል፡ ገለ ተወዳደርቲ ጎንጺ ከንቅሉ ከም ዝኽእሉ ስክፋታኦም ይገልጹ።
ነቶም ናይ ጎንጺ ተኽእሎ ኣለዎም ዝበሉዎም ማእከላት ድማ ኣብ ምልላይ ይርከቡ። ኣብዞም ንጎንጺ ዝጥርጠሩ ማእከላት ምርጫ እቲ ቀንዲ ዘለለዩዎ ጸገማት ምክፋል ዝንቡዕ ሓበሬታን ዘይስነ-ምግባራዊ ኣገባብ ጎስጓሳትን’ዩ።
ፓትሪክ ጀምስ ታከር ካብ መርበብ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ንሓቛፊ ዝርርብ’ዩ። ኣብዚ ምርጫ ጎንጺ ክውገድ እንተዀይኑ፡ እታ ሃገር ዝሓለፈቶም ደማዊ ግጭት ክነግሩ ምዃኖም ይሕብር። እቲ ዝተሓልፈ ሽግር ምስ ዝንገር ጥራይ እቶም መንእሰያት ዋጋ ሰላም ክርድኦም ዝኽእል ኢሉ ድማ ይኣምን።ፓትሪክ ጀምስ ታከር ከም ዝገልጾ ነዚ ንምግባር እምበኣር ነቶም መንእሰያት ብዛዕባ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝፈሰሰ ድማ ካብ ምንጋርን ምዝኽኻርን ኣይከዕርፉን’ዮም።
ኣባላት ጸጥታ ሰራልዮን፡ ምስቲ ናይ 2018 ምርጫ ተወዳዲሩ ዝተሓተ ተኽእሎታት ጎንጺ ከም ዘሎ’ዮም ዝግምቱ። ኣብ መንጎ ወርሓት ሚያዝያን ግንቦትን ኣብ ዝነበረ እዋን ድማ 14 ተርእዮታት ዕግርግር፡ ምፍራስን ደቀቕቲ ዝተባህሉ ጎንጽታትን ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ውሑዳት ተርእዮ ምቅጻል ሓዊ ከም ዘጋጠመ ኣካላት ጸጥታ ኣመልኪቶም። ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝወዓለ ግን ሓቢሮም።
ወሃብ-ቃል ሃገራዊ ትካል ጸጥታ ሰራልዮን ዝዀነ ዓብዱልከሪም ዊል፡ ተርእዮታት ጎንጺ ምስ ዘጋጥም ክወስዱዎ ዝቀራረቡ ዘለዉ ተበግሶ ከብርህ እንከሎ፤“ሰራዊት ምክልኻል ንሓይሊ ፖሊስ ድጋፍ ንምሃብ፡ ክመጽኡ’ዮም። ተራኦም ግን ተደራቢ ሓይሊ ንምሃብ እምበር ካልእ ዝገብሩዎ ኣይክህሉን’ዩ። እናተንቀሳቐሱ ኩነታት ጸጥታ’ውን ክከታተሉ’ዮም። እዚ ድማ ኩነታት ጸጥታ እናኸፍአ እንተመጺኡ ምስ ፖሊስ ብምትሕባር ውሕሰነት ንምሃብ’ዩ፡”ይብል።
ሰራልዮናውያን ድምጾም ንኽህቡ ኣብ ዝዳለዉሉ፡ ሓያሎ ብሰላም ክሓልፍ ዘለዎም ትምኒት ልዑል’ዩ።