ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 9 ሰባት ሞይቶም

ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ክልል ወላይታ ዞባ ካዎ ከይሻን ኣብ ሲዳማ ክልል ወረዳ ወንሾ ዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ትሽዓተ ሰባት ምሟቶምን ሓሙሽተ ካልኦት ጉድኣት ከምዝበጽሖም ሰበ-ስልጣን’ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ኣፍሊጦም ኣለው።

ኣተሓባባሪ ቤት ጽሕፈት ናይ ሓደጋ እዋን ኣቶ በዛብህ ባፋ ኣባላት ክልተ ስድራቤት ዝኾኑ ሸውዓተ ሰባት በቲ ሓደጋ ምህማም መሬት ምሟቶም ንድምጺ ኣመሪካ ኣረጋጊጾም ኣለው።

ኣቐዲሙ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ሓደጋ 12 ሰባት ምሟቶምን 53 ስድራቤታት ካብ መንበሪኦም ምምዝባሎም ዝሓበሩ ናይ ዞባ ወላይታ ናይ ሓደጋ እዋን ኣመራርሓ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣቶ ዳዊት ደሳለኝ እቶም ተመዛበልቲ ምሉእ ብምሉእ ናብ መንበሪኦም ናብ ዘይተመልስሉ ዳግማይ እቲ ሓደጋ ምግጣሙ ሓቢሮም።

ኣብ ወንሾ ወረዳ ዘጋጠመ ሓደጋ’ውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ 11 ሰባት ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሞትሉ ከባቢ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።

ካብ ወርሓት ክረምቲ ንደሓር ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ስዒቡ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ህጻናት ሓዊሱ ልዕሊ 300 ሰባት ምሟቶም ነበርቲ ስድራ ግዳያትን ሰበ- ሰልጣን’ቲ ከባቢን ንድምጺ ኣመሪካ ምሕባሮም ኣቐዲሙ ምጽብጻቡ ይፍለጥ።