ሃዋሳ —
ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን ክልል ሲዳማ ሕጋዉን ሰብኣዉን መሰል ዜጋታት ጥሒሶም ንዝበሎም 157-ኣባላትን ኣዘዝትን ፖሊስ ካብ ስራሕ ኣባሪሩ።
ካብ መንጎ’ቶም ካብ ስርሖም ዝተሰጉ እቶም 27 ብሕጊ ከምዝሕተቱን ካልኦት 305 ኸኣ ብርቱዕ መጠንቀቅታ ከምዝተዋህቦም ሓላፊ’ቲ ቤት ጽሕፈት ኣቶ ኣለማየሁ ጢሞቶዎስ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።
እቶም ካብ ስርሖም ዝተባረሩ ኣባላት ፖሊስ ካብ ሳጂን ጀሚሩ ክሳብ ኢንስቴክተርን ኣዛዚ ቤት ፅሕፈትወረዳን ከም ዝርከብዎም ተገሊፁ’ሎ።