ፆታዊ ጥቕዓት እንታይ የጠቓልል? ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ዓቐመን ክጥቀማን ከሐይላን ዘለው ፈተናታት! ( 2ይ ኽፋል)

  • ገብረ ገብረመድህን

Discussion on Sexual Harassment

‘’ፆታዊ ጥቕዓት ዝፅየፍ ትውልዲ ንምፍጣር ዓብዪ ጊደ ክንፃወት ኣለና’’ ዝበለት ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታ መቐለ ሓኪም ዶ/ር ሄለን ቴውድሮስ ከም ሓኪም ኣብ እትሰርሐሉ ሆስፒታ ኣካላዊ ጥቕዓት ተፈፂሙወን ክሕከማ ክመፃ ከለዋ ኣዚዩ ከምዝትንክፋ ብምሕባር ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝፍፀመ እንተኾይኑ ናብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብልስኪ ይኹን ብኣካል እናኸደት ከም እትከታተልን ከም እትሓትትን ትገልፅ።

ኣተሓሳስባ ናይቲ ሕብረተሰብ ክቕየር ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ እውን ትብል ዶ/ር ሄለን።

ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀሙ ፆታዊ መጥቓዕቲ ንምቅላስ ከም ‘’Me Too’’ ዝዓይነቶም ምንቅስቓሳት ኣገደስቲ ምዃኖም ዝገለፅ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ጋዜጠኝነት ማቴዎስ ገብረህይወት ኣብ ትግራይ ኣብ መሬት ወሪዶም ዝስርሑ ምንቅስቓሳት ኣይንዕዘብን ዘለና ይብል።ስለዚ ይብል ማቴዎስ ኣብዚ ዝዋስኡ ናይ ሲቭል ማሕበረሰብ ክህልው ትምኒተይ እዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምክትታል ይክኣል።

Your browser doesn’t support HTML5

ፆታዊ ጥቕዓት እንታይ የጠቓልል? ኣዋልድን ደቂ ኣንስትዮን ዓቐመን ክጥቀማን ከሐይላን ዘለው ፈተናታት!( 2ይ ኽፋል)