ግዱድ ዕዮ፡ ዓመታዊ 236 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ይገብር
Your browser doesn’t support HTML5
ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓለምለኸ ትካል ዕዮ ግዱድ ዕዮ ካብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ብ37% ምዕባዩ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ተደማሚሩ ኣብቲ ጽላት ናይ 64 ቢልዮን ዶላር ዕብየት ከምከምዘርኣየ ክኢላታት ይገልጹ።
ዓለምለኸ ትካል ዕዮ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ባራስለስ በልጂዩም ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ኣብዚ መዳይ ግዱድ ዕዮ እቲ ቀዲሙ ዝጥቀስ ጾታዊ ምዝመዛ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዝግበር ግዱድ ስራሕ ምዃኑ የብርህ።