'ህዝቢ ትግራይ ናይ ምንጻል ስምዒት ኣሕዲሩ ኣሎ' ዝብል ሪኢቶ ኣማሓዳሪ'ቲ ክልል መዘራረቢ ኮይኑ (2ይ ክፋል)

ትግራይ

ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል 'ህዝቢ ናይ ምንጻል ስምዒት ኣሕዲሩ'ሎ፣ ንሕና ግና ዓቕሊ ንግበር ንብሎ ኣለና' ድሕሪ ምባሎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታትን ዝተፈላለዩ ስፍራን መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ። ንሕና'ውን ከምኡ።

ኣርባዕተ ተጋሩ ዓዲምና ዝጀመርናዮ ክትዕ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ኣሎ። ሕጹይ ዶ/ር ኣብራሃ ሃይለዝጊን ግርማይ በርሀን ካብ ዪኒቨርስቲ መቐለ፣ ሙስጦፋ ዓብዱ ኣማኻሪን ጠበቓን ከምኡውን ዓብለሎም ገ/ሚካኤል ካብ መቐለን'ዮም።

'እቲ ነጥቢ ሕቶ ዋንነት ሃገረ ትግራይ'ምበር፣ ምንጻል ኢልና ኣይንገልጾን' ዝብል ብሓደ ወገን 'ኣብ ፌደራላዊ ስርዓት ሙሉእ ውሕስነታ ዘረጋገጸት ትግራይ' ብካልእ ወገን ዝብሉ ኣማራጺታት ሒዞም'ዮም ኣጋይሽና ይካትዑ ዘለው።

Your browser doesn’t support HTML5

ክትዕ ተጋሩ ኣብ ልዕሊ መጻኢ ዕድሎም