ሓደ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ኦነግ ካብቲ ግንባር ምፍላዩ ተገሊጹ

ካብ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ከምዝተፈለየ ዝዛረብ ሓደ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ፣ ግጭት ናይ ክልል ኦሮምያ ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ከምዝሰርሓሉ ገሊጹ።

ሰበ-ስልጣን ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ዝተመረጹ መሓውራት ዜና ኣብ ዘዳለዎ ናይ ቴለፎን ልዝብ፣ ድምጺ ጃል ሰኚ ነጋሳ እዩ ዝተባህለ መግለጺ፣ ምስ’ቲ ብኩምሳ ድሪባ ብናይ በረኻ ሽሙ ‘ጃል መሮ’ ዝነበረኒ ርክብ ኣቋሪጸዮ ኣለኹ ክብል ተሰሚዑ'ሎ።

ሽዱሽተ ኣባላት ኣለዎ ናይ ዝተባህለ ፈጻሚ ስራሕ ኣባል ከምኡ'ውን ኣብ ማእከላይ ዞባ ኣዛዚ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ዝነበረን ሰኚ እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ንክፍታሕ ድልየቱ ከምዝኾነ ጠቂሱ ኣሎ።

ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዝብ ከምዘይጀመረ ዝገለጸ ሰኚ ነጋሳ: ካብ’ቲ ዕጡቅ ጉጅለ ዝተፈለየ፣ "ሓደ ውልቀሰብ በይኑ ዝብሕቶ ስለዝኾነ’ዩ" ይብል።

ነቲ ናይ ቴሌፎን ልዝብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ኣዳልዪዎ ካብ ዝብል ሓበሬታ ወጻኢ፣ ድምጺ ኣመሪካ ብናጻ ወገን ነቲ ልዝብ ከረጋግጾ ኣይካኣለን።

ሰበ ስልጣን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ እዋን’ቲ ይ ቴሌፎን ልዝብ ልዝብ ዝሃብዎ ርእይቶ የለን’። ብዘይካ'ዚ፣ ድምጺ ኣመሪካ ካብ ሰራዊት ነጻነት ኦሮሞ ግብረ መልሲ ንምርካብ ዘካየዶ ፈተነ ኣይተዓወተን።