ሓይሊ ባሕሪ ሰኔጋል ኣብ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ኣስታት 600 ስደተኛታት ምድሓኑ ገሊጹ

ፋይል - ስደተኛታት ኣብ ገማግም ሴነጋል

ሓይሊ ባሕሪ ሰኔጋል ኣብ ዝሓለፈ 10 መዓልታት ኣስታት 600 ስደተኛትት ካብ ገማግም ባሕሪ’ታ ሃገር ምድሓኑ ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሓበሬታ’ቲ ሓይሊ ባሕሪ ትማሊ ሰሉስ ጥራይ 183 ሰባት ካብ ገማግም ባሕሪ ዲጅፈር ዝተባህለ ከባቢ ከምዝደሓኑ ይሕብር። ኣብ ቐዳምን ሰንበትን ድማ 230 ሰባት ካብ ገማግም ባሕሪ ከምዝደሓኑ ሓቢሩ’ሎ።

ሴኔጋል ብናይ ስጳኛ ካናሪ ደሴታት ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንዝብገሱ ስደተኛታት ካብ ቀንዲ መበገሲ ቦታታት ምዃና ይፍለጥ።

ሓይሊ ባሕሪ ሰኔጋል ኣብ ወርሒ መስከረም ሬሳ 30 ሰባት ምርካቡ’ውን ይዝከር።