ዓማዊል ሰላምሊንጎ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከቡ መብዛሕቲኦም ቆልዑት`ዮም፡ ዓበይቲ`ውን ይምሃሩ`ዮም ትብል ወናኒት`ቲ ቤት ትምህርቲ
ኣበባ ግርማይ ኣብ ክፍለ-ግዝኣት ቨርጂንያ ትነብር ኤርትራዊት`ያ። በዓልቲ ሞያ ሕክምና እንተኾነት`ኳ፡ ናይ ቋንቋ ኽቱር ድልየት ስለ ዘለኒ ናብኡ ዘይረ ትብል። "ብፍላይ ግን ደቀይ ባህሎምን ቋንቁኦምን ከይርስዕዎ ብዝብል ነቲ ተበግሶ ምስጀመርክዎ፡ ካልኦት`ውን ንደቅና ኸኣ ኣምህርልና ክብሉኒ ጀሚሮም" ትብል።
በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሰለስተ ቖልዑን ወ/ሮ ኣበባ፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ብONLINE ተጠቒማ ፡ ቋንቋታት ኸምትምህር፡ ብኣካል`ውን ኣብ ዝተፈላለያ ስቴታት እናዘወረት ከም ተስተምህር ትገልጽ። ከም ወተሃደራት ዝበሉ ዓበይቲ`ውን ካብ መንጎ ዓማዊላ ምዃኖም ትጠቅስ።
- ጋሻ መደብ ኤርትራውያን ኮይና ቐሪባ`ላ፡ ንምሉእ ትሕዝትኡ ንምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል፡