ፕሬዝዳንታዊ ፅምብልን ዝለዓለ ሓለዋ ፀጥታን ዋሽንግተን

Jeo Biden

ተመራፃይ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ድሕሪ ፅባሕ ረቡዕ ፅምብል ስነስርዓት ቃለ ምሓላ ንምፍፃም ይዳለው ኣብዘለው ቢሮ ፌደራል ምርመራ FBI ናይ ውሽጢ መጥቓዕቲ ክፍፀም ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት ንዋሽንግተን ንክሕልው ንዝተመደቡ 25,000 ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ድሕረ ባይትኦም የፃሪ ከምዘለዎ ተፈሊጡ።

ምንስቴር ሰራዊት ሪያን ማካርቲ ንኣሶሼትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ንሶምን ካልኦት መራሕትን ስግኣት ፀጥታ ንምህላው ዘረጋግፅ ዝኾነ ይኹን መርትዖ ኣይርኣናን ኢሎም።ኣብ ልዕሊ እቶም ሃገራዊ ሓለዋ ኣብ ብዝተኻየደ ምፅራይ እውን ዝኾነ ይኹን ፀገም ኣይተረኸበን ኢሎም።

ማካርቲ ብምስዓብ ‘’ብዘይምቁራፅ በቲ መስርሕ ንሓለፍ ኣለና፣ኣብቲ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ዝተመደበ ሕድ ሕድ ሰብ ካልኣይ፣ሳልሳይ ምፅራይ ንገብር ኣለና’’ ኢሎም።

ናይ ወፃኢ ጉጅለታት ቅድሚ እቲ ፅምብል ቃለ ምሓላ ዕጡቓት የዳልው ምንባሮም ዝሕብር ናይ ስለያ ሓበሬታት ከምዘለው ወሲኾም ገሊፆም።

ካብ ስልጣኖም ይወርዱ ዘለው ትራምፕ ኣባላት ኮንግረስ ንዓወት ባይደን ንምፅዳቕ ናብ ዝተኣከብሉ ህንፃ ክምርሹ ንኣሽሓት ደገፍቶም ምስ ነገሩዎምንንካፒቶል ድሕሪ ምውራሮምን ሓለዋት ፀጥታ ካብቲ ልሙድ ብዝለዓለ ደረጃ ፅኑዕ ኮይኑ ኣሎ።

ከባቢ ካፒቶል እቲ ቐፅሪ ይኹን ሓፁር ዝተቐመጦ ናይ ዕጡቕ ስፍራ መሲሉ ኣሎ።ሰበ ስልጣን ንመብዛሕቲኡ ማእኸል ዋሽንግተን ሃገራዊ ሞል መንገድታትን ባቡር ጣቢያታትን ዓፂዮምዎ ኣለው።

ካብ ቨርጂኒያ ናብታ ከተማ ዘእትው ቢንቶታት እውን ተዓፂዮም ይርከቡ።

ዝልዓለ ስኽፍታታት ፀጥታ እንተሎኳ ባይደን ኣብቲ ልሙድ ቦታ ስነስርዓት ፅምብል ክገብሩ እዮም።

ናይ ባይደን ዳይረክተር ኮምኒኬሽን ኬት ቤዲንግፊልድ ን ABC ቴሌቪዥን ‘’ትልምናን ትፅቢትናን ተመራፃይ ፕሬዝዳንት ባይደን 20 ጥሪ ኣብ ምዕራባዊ ኣንፈት ናይቲ ህንፃ ምስ ስድርኦም ኮይኖም ኢዶም ኣብ ልዕሊ መፅሓፍ ቅዱስ ከንብሩ እዩ’’ኢለን።

ጉጅለ ባይደን እቲ ፅብምብል ውሑስ ንክኸውን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ክሰርሑ ኣብ ልዕሊ ዝፀንሑ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምስጥራዊ ኣገልግሎት ሓለዋን መሻርኽቶምን እምነት ኣለዎም ኢለን።

ዝቅፅል ረቡዕ ሓዱሽ ምምሕዳር ክህልው እዩ ካብ ምባል ዝዘለለ ትራምፕ ንስዕረቶም ኣይቅበልን ብምባል ንባይደን እንኳዕ ሓጎሰካ ኣየብሉዎምን።

ትራምፕ መግለፂ ሰለማዊ ስግግር ስልጣን ዝኾነ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ፕሬዝዳንት ኣብ ስነስርዓት ቃለ መሓላ ተተካኢ ፕሬዝዳንት ናይ ምርካብ ን160 ዓመት ዝፀንሐ ባህሊ ዩናይትድ ስቴትስ ዕሽሽ ብምባል ኣብቲ ስነ ስርዓት ከምዘይርከቡ ገሊፆም ኣለው።ምኽትልፕሬዝዳንትማይክ ፔንስ ኣብቲ ስነስርዓት ክርከቡ እዮም።

ትራምፕ ኣብ ክንድኡ ረቡዕ ንጉሆ ብስነ ስርዓት ቀይሕ መንፀፍ ብፕሬዝዳንታዊ ነፋሪት /Air Force One/ፍሎሪዳ ናብ ዝርከብ መንበሪኦም ክጉዓዙ እዮም።

ናይ ትራምፕ ትልሚ ነቐፌታ ኣስዒቡ ኣሎ።’’ጥበብ ዝጎደሎ፣ዘይልሙድ ልዕሊ ኩሉድማ ኣድላይ ዝኾነ ፀጋታት ብምምቓል ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ድሕነት ዘየድሊ ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል እዩ’’ ክብሉ ሓሙሽተ ዴሞክራት ኣባላት ወከልቲ ቤት ምኽሪ ንምንስቴር ምክልኻል ክሪስቶፈር ሚሊርን ኣቦ ወንበር ሓባራዊ ሓይልታት ማርክ ሚልለይን ደብዳበ ፅሒፎም።

ወከልቲ ህዝቢ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓመፅ ብምልዕዓል ገበን ንትራምፕ ንካልኣይ ግዜ ካብ ስልጣኖም ክባረሩ ወሲኑ ኣሎ።ብሰኔት ዝውሃብ ፍርዲ ባይደን ቃለ ምሓላ ምስ ፈፀሙ ሽዑ ንሽዑ ክጅመር እዩ።ገበነኛ ኮይኖም እንተድኣ ተረኺቦም ትራምፕ ክልተ ግዜ ክባረሩ ዝተወሰኖም ፈላማይ ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ክኾኑ እዮም።ተመሊሶም ከይወዳደሩ እውን ክእገዱ ይኽእሉ።

ባይደን ስልጣን ምስ ሓዙ ብርክት ንዝበሉ ናይ ትራምፕ ፖሊስታት ንምቕልባስ መደብ ኣለዎም።