መግለጺ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግህሰታት

  • ዜና ቪኦኤ

ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ገበን ኹናት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣዊነትን ምጽራይ ዓሌትን ዝምልከት ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ መግለጺ ሂቦም። ኣንቶኒ ብሊንክን ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝፈነውዎ መልእኽቲ "ኢትዮጵያ፣ ካብ’ቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐን ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ግፍዒ ዝፈጸምሉን" ዝበልዎ "ብርቱዕ ኹናት ትገላገል ኣላ" ኢሎም።

2 ሕዳር 2022 ምቁራጽ ተጻብኦ ድሕሪ ምኽታሙ፣ ውግእ ደው ከምዝበለ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ግህስት ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ከምዝነከየ፣ ሰራዊት ኤርትራ ይወጹ ከምዝጀመሩን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ መባእታዊ ስጉምቲታት ናብ ስግግር ፍትሒ ከምዝኣተወ ጠቂሶም።

እንተኾነ ይብሉ ንሶም ‘እንተኾነ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝወረደ ቃንዛ ኣፍልጦ ክዋሃበሉ ይግባእ’ ኢሎም።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልንክን ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ሓይልታት ህወሓትን ሓይልታት ኣምሓራን፣ ገበን ውግእ ከምዝፈጸሙ፣ ብዘይካ'ዚ፣ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን፣ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት ዓመጻትን ስደትን ፈጺሞምን ኢሎም ።

ምሉእ መግለጺ’ቶም ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ጽባሕ ሰሉስ ክነቅርበልኩም ኢና።