ስርዓት ኣከዳድና ተማሃሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዝገጠሞ ተቓውሞን

Your browser doesn’t support HTML5

ስርዓት ኣከዳድና ተማሃሮ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዝገጠሞ ተቃውሞን

ኣብ ኣብ ኣመሪካ ኣብያተ ትምህርቲ ዘተኣታተውዎ ስርዓት ኣከዳድና ገሊ ተማሃሮ ንባህላውን ሃይማኖታውን መንነቶም ንምምንዛዕ ከም ዝግበሩ ፃዕርታት ገይሮም ርእይዎም። ኣመሓደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ግን ፅኑዕ ኣከዳድና ሓደ ዓይነት ኽዳን ስርዓት ኣብ ምኽባርንግደ ከምዘለዎ ይገልጹ።

ኣብ ቀረባ ዓመታት ኣብያተ ትምህርቲ ኣመሪካ ፖሊስታተን ዳግም ክምርምራ ድፍኢት ሓይሉወን ይርከብ። ንኣቆራርጻ ጸጉሪ ዝምልከት ሕግታት ብምትእትታው ኣብያተ ትምህርቲ ቴክሳስ ብቐዳምነት ይስራዓ። ኣመሓደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ፀጉረይ ኣየሕፅርን ኢሉ ንዝኣበየ ሓደ ትሕቲ ዕድመ ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ ምቕፅዖም ክቕፅሉ እንተኾይኖም ኣብዚ ሰሙን ዝውሃብ ፍርዲ ክውስኖ እዩ። ወዲ 18 ዓመት ዳሪል ጆርጅ ፀጉሩ ጀብጀብ ብምግባሩ ካብ መጀመሪያ እዚ ዓመተ ትምህርቲ ኣትሒዙ ካብ ቤት ትምህርቲ ተኣጊዱ ይርከብ።