ትእምት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ብ305 ሚልየን ቅርሺ 10 ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፁ ንህዝቢ ከምዘረከበ ሎሚ መዓልቲ ገሊፁ'ሎ።
መቐለ —
እቲ ትካል ብ75 ሚልየን ቅርሺ ኣብ ከተማ መቐለ ዝሃነፆ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ተመሪቑ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ትካል ግብረ ሰናይ ትእምት ኣይተ ሐሸ ለማ ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ትእምት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ፍትሓውነት ብዘለዎ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ምስ ውሽጣዊ ናውቲ 305 ሚልየን ዝወድኡ 10 ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፁ ንህዝቢ ኣረኪቡ እዩ ኢሎም።
ፈፃሚት ስራሕ ትእምት ወይዘሮ ኣዜብ መስፍን ብግዲአን ብመሰረት ጠለብ ህዝቢ ትግራይን ሕቶ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ትእምት ተወሰኽቲ 9 መሰናድኦ ኣብያተ ትምህርቲ ክሃንፅ እዩ እንትብላ ኣበሲረን።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
Your browser doesn’t support HTML5
ትእምት ኣብ ትግራይ 10 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝሃነፀ ተገሊጹ