ክልል ትግራይ፡ ተቋሪጹ ዝጸንሐ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ጀሚሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ክልል ትግራይ፡ ተቋሪጹ ዝጸንሐ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ጀሚሩ

ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ተቋሪጹ ዝጸንሐ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ሎሚ ሰሉስ 2 ግንቦት 2023 ጀሚሩ። ሓያሎ ካብዘን ኣብያተ-ትምህርቲ ግን ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ተቐዪረን ብምጽናሐን፡ ኣብኣተን ትምህርቲ ገና ኣይተጀመረን። እንተዀነ ኣብ ኵላቶም ኣብያተ-ትምህርቲ ብቕልጡፍ ንምጅማር ይስራሕ ምህላዉ ቢሮ ትምህርቲ'ቲ ክልል ሓቢሩ።