ክልል ትግራይ፡ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ስርዓተ ትምህርቲ ኣብ ገለ ከባቢታት ጀሚሩ

Your browser doesn’t support HTML5

ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ኣብ ክልል ትግራይ ተቋሪጹ ዝጸንሐ ስርዓተ ትምህርቲ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ሎሚ ሰሉስ 2 ግንቦት 2023 ጀሚሩ። ሓያሎ ካብዘን ኣብያተ-ትምህርቲ ግን ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ተቐዪረን ብምጽናሐን፡ ኣብኣተን ትምህርቲ ገና ኣይተጀመረን። እንተዀነ ኣብ ኵላቶም ኣብያተ-ትምህርቲ ብቕልጡፍ ንምጅማር ይስራሕ ምህላዉ ቢሮ ትምህርቲ'ቲ ክልል ሓቢሩ።