ሓድሽ ዳይረክተር ርክባት ዋይት ሃውስ ካብ ስራሕ ተሰናቢቱ

ካብ ስራሕ ዝተሰናበተ ዳይረክተር ርክባት ዋይት ሃውስ ኣንቶኒ ስካራሙቺ

ኣንቶኒ ስካራሙቺ ዝተባህለ ሓድሽ ዳይረክተር ርክባት ዋይት ሃይውስ ካብ ስራሕ ተሰናቢቱ።
ስካራሙቺ ኢጣልያዊ ሞቦቆል ዘለዎ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝመደበሩ ፋይናንስያዊ ትካላት ዝሰርሐ ክኸውን እንከሎ፡ ናብዚ ናይ ዋይት ሃውስ መዝነት ሓምለ 21'ዩ ተመዚዙ።
ንሱ ኣብዚ ከም ዳይረክተር ርክባት ዋይት ሃውስ ኮይኑ ዝተመዘዘሉ ጽፍሒ ን 11 መዓልታት ጥራይ እዩ ኣገልጊሉ።
"ዘ ሙች" ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኣንቶኒ ስካራሙቺ: ኣብ ታሪኽ ንዝሓጸረ ግዜ ከም ዳይረክተር ርክባት ዋይት ሃውስ ኮይኑ ዘገልገለ ተባሂሉ ክግለጽ ጀሚሩ ኣሎ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ: ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ሕንፍሽፍሽ የለን ክብሉ በቲ ልሙድ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ኣለው።
ስንብታ ስካራሙቺ ምስ ምምዛዝ ሓድሽ ሓለቓ ስታፍ ዋይት ሃውስ ጀነራል ጆን ኬሊ ተቐናቢሩ ኣሎ።

ሓድሽ ሓለቓ ስታፍ ዋይት ሃውስ ጀነራል ጆን ኬሊ

ጀነራል ጆን ኬሊ ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታ ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ወተሃደራዊ ኣዛዚ እዮም።