ኣብ ትግራይ ሳፋየር ዝበሃል ክቡር መዓድን ተረኺቡ

  • ግርማይ ገብሩ

መዓድን ሳፋየር ኣብ ትግራይ ኣብ ዞባታት ማእኸል፣ምዕራብን ሰሜናዊ ምዕራብን ከምዝተረኸበ ኤጀንሲ መዓድንን ኢነርጂን ትግራይ ገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ኤጀንሲ ኣይተ መዓረግ ሓዱሽ መዓድን ሳፋየር ሓደ ካብቶም ክቡራት መዓድናት ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ብፍላይ ናይ መወዳእታ ቅርፂ ዝሓዘ ሰማያዊ ሳፋየር ንሓደ ካራት 3000 ዶላር ንሓደ ግራም ድማ 15 ሽሕ ዶላር ይሽየጥ ኢሎም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 5000 ሓረስቶት ትግራይ ኣብ ኣለሻ መዓድን ሳፋየር ተዋፊሮም ዝረኸብዎ ንሕጋውያን ነጋዶ ብምሻጥ ይርብሑ ኣለዉ እውን ኢሎም ኣይተ መዓረግ።

መንግስቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን "ኢትዮጵያዊ ሳፋየር" ተባሂሉ ዝልለ መዓድን ሳፋየር ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ኣብ ስራሕ ከምዝርከብ ተፈሊጡ ኣሎ።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ትግራይ ሳፋየር ዝበሃል ክቡር መዓድን ተረኺቡ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ መዓድን ሳፋየር ናይ ማዳጋስካር እዩ እናበሉ ዝሸጡ ነጋዶ ከምዘለዉን ነዚ ድማ ከሉ ኢትዮጵያዊ ብጥንቃቐ ብምርኣይ ንዘይሕጋውያን ነጋዶ ፀኒዑ ክቃለስ ከምዝግባእን ኣይተ መዓረግ ሓዱሽ ፀዊዖም።

Your browser doesn’t support HTML5

ኣብ ትግራይ ሳፋየር ዝተበሃለ ክቡር መዓዲ ተረኺቡ