ዋሽንግተን —
ኣሜሪካ ኣብ ኲናት ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝውዕል 60 ቢልዮን ዶላር ንካብ ሓሙሽተ ሃገራት ሳሕል ኣፍሪቃ ንዝተዋጽኡ ሓባራዊ ሰራዊት ሰሊዓ።
እቲ ሎሚ 30 ጥቅምቲ,2017 ዓ.ም ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን ዝተገልጸ ፊናንስያዊ ስልዒት: ንካብ ሃገራት ቡርኪናፋሶ: ጫድ: ማሊ: ሞሪታንያን ኒጀርን ንዝተዋጽአ ፍሉይ ኣሃዱ ሓባራዊ ሰራዊት ኣብ ኲናት ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝውዕል'ዩ።
ግብረሽበራ ንክሰዓር እንተኾይኑ: ኣብ ዝኾነ ኣህጉር ዝርከብ ደጀናቶም ምስ ዝምንዛዕ'ዩ ኢሎም ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ረክስ ቲለርሰን።
ንሶም "እዚ ገንዘብ'ዚ "ዞባውያን መሻርኽትና ኣብ ዘካይድኦ ጥምጥም ንዘሎና ምትሕግጋዝ ዘጉልሕን ኣብ ቅድሚ ስግኣት ዳዕሽ ቅሳነትን ምርግጋእን ንምፍጣር ዘውሕስ'ዩ" ክብሉ ድማ ጠቒሶም።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ'ዚ ዳዕሽ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኣሜሪካን ኒጀራውያንን ድብያ ምክያዶም ይዝከር።
በቲ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ኣሜሪካውያን ክቕተሉ ከለው ካልኦት ክልተ መቑሰልቲ ከምዘጋጠሞም ይፍለጥ።