ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ 26 ተጨውዮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ረኺቡ፡ ለቒቑ

ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ - ፋይል

ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጆሃንስበርግ ኣብ ሓደ ቦታ ጂሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ 26 ኢትዮጵያውን ሎሚ ዓርቢ ብዝገበሮ ስርሒት ከም ዝለቐቐ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

እቶም መንበሪ ፍቓድ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘይብሎም ዝተገልጹ ዜጋታት ብዘይክዳን ዕርቃኖም’ዮም ተመቚሖም ጸኒሖም።

ፖሊስ ብተወሳኺ ኣስታት 30 ዝበጽሑ ካልኦት’ውን ቅድሚ እቲ ስርሒት ሃዲሞም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይሕብር።

ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እቶም ካብ ማእሰርቲ ዝተላቐቑ ካብ ጆሃንስበርግ ውጽእ ኣብ ዝበለ ቦታ’ዮም ተታሒዞም ጸኒሖም። ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ’ውን ፖሊስ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታን ተቐራራቢ ኣገባባት ኣትኣሳስራን ተታሒዞም ዝጸንሑ 80 መንበሪ ወረቐት ዘይብሎም ኢትዮጵያውያን ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝደሓረ ፍጻመ፡ ካብ መንጎ’ቶም እሱራት ዝነበሩ ሓሙስ ምሸት ሃዲሞም ድሕሪ ምምላጦም’ዩ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ዜጋታት ብዛዕባኡ ንፖሊስ ሓቢሮም።

ፖሊስ ድሕሪ ምምጻኦም 15 ካብኣቶም ተመቚሖም ክጸንሑ እንከለዉ፡ 11 ድማ ክሃድሙ ፈቲኖም ድሕሪ ዘጋጠሞም መቝሰልቲ ንሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።

ምስቲ ጉዳይ ተኣሳሲሩ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ተቐዪዶም ኣለዉ። ካብ መንጎ’ቶም ብዘይ ሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተኣስሩ ስለስተ ዜጋታት ኢትዮጵያ ሽጉጥ’ውን ሒዞም ዝጸንሑ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ይውስኽ።

ፖሊስ ዝርዝር ናይቶም ካብ መጭወይቲ ዝተላቐቑ ኣይሃበን።