ዋሽንግተን —
ሳፋሪኮም ኬንያ ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕ ካብ ዝጅምር ኣታዊታቱ ብ22% ከም ዝጎደለ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልተ ሚልየን ተጠቀምቲ ቴሌፎን ከም ዝመዝገበ ዝሓበረ ሳፋሪኮም፡ 150-ሚልየን ዶላር ወጻኢ ብምግባር ናይ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት ኣብ ኢትዮጵያ (ላይሰንስ) ማለት ፍቓድ ንግዲ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ`ሎ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፋሳሪኮም ፒተር ነገዋ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድላት ኣነኣኢስካ ዝርኣይ ኣይኮነን፡ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚርና ድማ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎታት`ውን ንዓማዊልና ክንህብ ኢና ኢሉ።
ሳፋሪኮም ኬንያ ክሳብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝነበረ ኣታዊ ቅድሚ ቀረጽ 84.99 ቢልየን ሺሊንግ ማለት 622.6 ሚልየን ዶላር ምንባሩ ብምግላጽ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘርግሖ ኔትወርክ ዘለዎ ወጻኢታት መሰረት፡ ኣታዊኡ ካብ 75 ክሳብ 81 ቢልየን ሺሊንግ ከም ዝጎድል ሓቢሩ`ሎ።
ብርክታት ማለት ኣክስዮን ሳፋሪኮም`ውን ከምኡ ብለስተ ሚእታዊ ምጉዳሉ ሓቢሩ`ሎ።