ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ምስ ምቁራጽ ደሞዝ ብዝተሓሓዝ ሕቶ ዘልዓሉ 66 መማህራን ምእሳሮም ተገሊጹ

ከተማ ሃዋሳ - (ፋይል)

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ፣ ዞባ ኮሬ፣ ወረዳ ሳርማሌ መሃያና ንምንታይ ተቆሪጹ ኢሎም ሕቶ ካብ ዘልዓሉ 66 መማህራን ከምዝተኣሰሩ ተፈሊጡ።

ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ እቶም መማህራን ዝተኣሰሩ፣ ብዘይፈቃዶምን ከይተሰማምዑን ካብ ማሃያኦም ዝተቆረጸ ክምለሰሎም ዘቕረብዎ ስምዕታ ምላሽ ብዘይምርካቡ፡ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ድሕሪ ምክያዶም ከምዝኾነ ተፈሊጡ'ሎ።

ምምሕዳር ወረዳ ሳርማሌ ብወገኑ እቶም መማህራን ዝተኣሰሩ፣ ከምህሩ ንዝደልዩ ካልኦት መማህራን ስለዘአደሙ’ዩ ይብል።

ኣብ’ቲ ወረዳ ዘለው 683 መማህራን ኣድማ ብምክያዶም ኣብ 27 ኣብያተ ትምህርቲ መስርሕ ትምህርቲ ተቋሪጹ፣ 8,974 ተማሃሮ ካብ ትምህርቲ ቦኺሮም ይርከቡ።