ዋሽንግተን —
ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈፀመ ምፅናት ዓሌት ኢድ ነይሩዎ ተባሂሉ ክድለ ዝፀንሐ ጥርጡር ርዋንዳዊ ፋልገንስ ካይሸማ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ንገበናት ኲናት ርዋንዳ ዝከታተል መጋባእያ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
እቲ ዓለምለኸ መጋባእያ ካይሽማ ኣብቲ እዋን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንያንገ ተዓቑቦም ዝነበሩ 2-ሽሕ ተወላዶ ቱትሲ ስደተኛታት ንኽቕተሉ ኣተሓባቢሩ ብዝብል ክሲ ክድለ ምፅንሑ እዩ ይገልፅ።
ካይሽማ ኣብ ፕረፈቸር ኪቡየ ብዝተፈፀሙ ቅትለታትን ካልኦት ገበናት ፅንተትን ኣንፃር ሰብኣውነትን ድሕሪ ዝቀረበሉ ክስታት ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ህድማ ዝጸንሐ ምኳኑ ይፈለጥ።
ንካይሽማ ኣብ ቀይዲ ዝእተወ ፍሉይ ክፍሊ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ካይሽማ ብካልእ ስም ኣብታ ሃገር ክነብር ምጽንሑ ሓቢሩ'ሎ። ብተወሳኺ ክሳብ ናብ ርዋንዳ ተመሓላሊፉ ዝወሃብ ኣብ ቀይዲ ከምዝጸንሕ'ውን ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ።