ሩዋንዳ -ፕረዚደንታዊን ፓርላመንታዊን ምርጫ ተካይድ

ፕረዚደንታ ካጋመ ድምጾም እንዳሃቡ

ኣብ ሩዋንዳ ፕረዚደንታዊን ፓርላመንታውን ምርጫ ተኻይዱ።

ነታ ሃገር ብሓያል ቅልጽም ዝመርሓ ዘሎ ፓወል ካጋመ ከም ዝዕወት ግን ዝጠራጠር የለን። ካብ ናይ 1994 ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ጀሚሩ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ካጋመ፡ ሕጂ `ውን ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ክመርሕ መረጋገጺ ዝረክብ ይመስል።

እቲ ምርጫ ካብቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደን ካጋመ ንመወዳድርቱ ኣልጊሱ ብ99 ሚእታዊት ዝተዓወተሉን ዝተፈለየ ከም ዘይከውን`ውን ይግመት። ኣንጻሩ ክወዳደሩ ካብ ዝሓተቱ ሸሞንተ ሕጹያት ንክወዳደሩ ዝተፈቕደሎም ክልተ ጥራሕ`ዮም። መራሒ ደሞክራቲክ ሓምላይ ፓርቲ ፍራንክ ሃቢነዛ ከምኡ`ውን ብውልቂ ዝወዳደር ፊሊፒ ምፓዪማ።

ተሓለቕቲ መሰላት፡ ነቲ ስርዓት ብምዕፋን መሓውራት ዜና ከምኡ`ውን ብምእሳርን ምስዋርን ተቓወምቲ ይኸሱ።