ዋሽንግተን —
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ሎሚ ዓርቢ 30 ሰነ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ መፃኢ ዕድል ጉጅለ ወተሃደራት ቫግነር ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተኸተሞ ውዕላት ኣብ ነቲ ውዕል ዝፈረሙ መንግስታት ዝምልከት ጉዳይ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ላቭሮቭ፤ ቫግነር ምስቶም ዝምልከቶም መንግስታት ብቐጥታ ዝተፈፀመ ውዕል መሰረት ኣብ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኮነ ካልኦት ሃገራት ክሰርሕ ምፅንሑ ገሊፆም ከምኡ'ውን ሚንስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ሪፐብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝሰርሑ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ወተሃደራዊ ኣማኸርቲ ከምዝነበርዎ ተዛሪቦም።
ኣብ ውግእ ዩክሬን ዝለዓለ ተሳትፎ ዝነበሮም ወተሃደራት ቫግነር ቅድሚ እቲ ነቲ ናዕቢ ዝዛዘመ ስምምዕ ምስ መንግስቲ ሩስያ ምፍራሞም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ናብ ኣብ ደቡባዊ ሩስያ እትርከብ ከተማ ሮስቶቭ-ኦን- ዶን ተቖፃፂሮም ኣብ ሞስኮ ተቓውሞ ምክያዶም ይዝከር።