ሰራዊት ሩስያ ንስትራቴጂካዊት ከተማ ምብራቕ ዩክሬን ምቍጽጻሩ ገሊጹ

ኣብ ኵናት ሩስያን ዩክሬንን ዝተወስደ ምስሊ- ፋይል

ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ፡ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክሬን እትርከብ ብማዕድን ከሰል ሃብታም ዝዀነት ቶረትስኪ እትብሃል ከተማ ሎሚ ዓርቢ ተቖጻጺሩ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክሬን ዛጊት መብርሂ ከምዘይሃበን ሮይተርስ ግን እንትርፎ ብወገን ሩስያ ዝተዋህበ ሓበሬታ ነቲ ዜና ብሳልሳይ ኣካል ክረጋግጾ ከምዘይከአለን ሓቢሩ'ሎ።

ቶረትስኪ ቅድሚ ኲናት ምጅማሩ ኣስታት 30-ሽሕ ነበርቲ ዝቐመጡዋ ዝነበሩ ከተማ ክትከውን እንከላ፡ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ግን ነበርታ ሃዲሞም፡ ትሕተ-ቅርጻ’ውን ዓንዩ’ዩ። ሩስያ ነታ ኣዝያ ስትራቴጂካዊትን ኣብ ዝለዓለ ብራኸ እትርከብን ከተማ ድሕሪ ምቍጽጻሮም በቲ ናይ ቅድም እዋን ሕብረት ሶቪየት ስማ ድርዘሽቪክ ኢሎም ክጽውዑዋ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሰራዊት ሩስያ ድሕሪ ምቍጽጻር እዛ በራኽ ከተማ ናብቲ ማእከል መኽዘን ኣጽዋርን ቀረባትን ዘሎ ስፍራ ዩክሬን ብቐሊሉ ክግስግሱ ዕድል ከም ዘለዎም ክኢላታት ይእምቱ።