ዩክሬንን ሩስያን ንመደብር ጸዓት ሓድሕደን የጥቅዓ

  • ዜና ቪኦኤ

Your browser doesn’t support HTML5

ዩክሬንን ሩስያን ንመደብር ጸዓት ሓድሕደን የጥቅዓ

መራሕቲ ሩስያን ዩክሬንን ነቲ ኣስታት ሰለስተ ዓመታት ዝወሰደ ወራር ሩስያ ንምኽታምን ዝርርብን ንምክያድን መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ ሕጂ እዋን፡ ክልተኣን ሃገራት ንመደበር ጸዓት ሓድሕደን ኣጥቂዐን። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ.ዲ. ቫንስ ምስ መራሒ ዩክሬን ኣብ ሙኒክ ጀርመን ክራኸብ መደብ ሒዙ ኣሎ።

ሩስያ መጸረዪ ባህርያዊ ጋዝ ብምድብዳብ፡ ንሓይሊ ጸዓት ሓደ ኣውራጃ ዩክሬን ከም ዝሰናኸል ገይራ ኣላ። ዩክሬን’ውን ብወገና ናብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውግሕ፡ ንሓደ መጻረዪ ነዳዲ ሩስያ ደብዲባ። ብመሰረት ሓበሬታ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዩክሬን፡ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ስፍራ ንሰራዊት ሩስያ ነዳዲ ዝቕርብ’ዩ።

ክልተኣን ሃገራት ብማዕዶ ኣብ መጥቃዕቲ ኣብ ነሓድሕደን ዘካይዳሉ ዘለዋ እዋን’ውን ሩስያ ዝያዳ መሬት ዩክሬን ትቆጻጸር ኣላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩስያዊ ወሃብ-ቃል ቤት መንግስቲ ክረምሊን ዝዀነ ዲሚትሪ ፐስኮቭ፡ ዝበዝሑ ዩክሬናውያን ኣካል ሩስያ ክዀኑ’ዮም ዝደልዩ ኢሉ። እቲ ወሃብ-ቃል ወሲኹ፡ ምናልባት ድምጾም ክህቡ እንተ ዝሕተቱ እወ ወይ ኣይፋል ክብሉ ማዕረ ተኽእሎ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ።

ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ ኲናት ክዓርፍ ደጋጊሙ ክሕብር ጸኒሑ’ዩ። ሞስኮን ኪቭን’ውን ብተናጸል ንምዕራፍ እቲ ጎንጺ ዘለወን ቅሩብነት ገሊጸን ኣለዋ።

ዘለንስኪን ፑቲንን ኣቐዲሞም፡ ንምዝርራብ ድልውነት ኣይጸንሖምን። ዩክሬን እቲ ዝርርብ ዘላቒ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል እንተዀይኑ ትጠራጠር። ፑቲን ብወገኑ ከም ቅድመ-ኩነት ዩክሬን ካብ ሕቶ ኣባልነት ኔቶ ክትስሕብን ካብቲ ኣካል ሩስያ ዝብሎ ወገናት ዩክሬን ጠቕሊላ ሰራዊታ ክትለቅቕን ይጠልብ።

ምኽትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ጀይ.ዲ. ቫንስ ምስ ፕረዚደንት ዩክሬን ቮልድይመር ዘለንስኪ ንዓርቢ ኣብ ሙኒክ ጀርመን ክራኸብ መደብ ሒዙ ኣሎ። ርክብ ክልተኦም መራሕቲ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ “ዩክሬን ሓደ መዓልቲ ኣካል ሩስያ’ውን ክትከውን ትኽእል’ያ፡” ዝብል ኣንደበት ኣብ መደበር ቴለቪዥን ፎክስ ድሕሪ ምስማዑ’ዩ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብቲ ቃለ-መጠየቕ፡ “ምናልባት ዝርርብ ክህሉ ይኽእል ወይ’ውን ምናልባት ኣይክእልን። ዩክሬናውያን’ውን ሓደ እዋን ሩስያውያን ክዀኑ ይኽእሉ ዘይክዀኑ’ውን ይኽእሉ፡” ኢሉ ነይሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዩክሬን ዝርከብ ክቡር ማዕድን ከም ኣምሳያ ኣመሪካ ክትልግሶ እትኽእል ወታሃደራዊ ሓገዝ’ውን ምልውዋጥ ከም ዝከኣል ኣብቲ ቃለ-መሕተት ገሊጹ።

ብመሰረት መግለጺ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣመሪካ ንእትህቦ ወታሃደራዊ ሓገዝ፡ ከም ኣምሳያኡ ድማ ዩክሬን ኣስታት 500 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ፍሉይ ማዕድናት ክትህብ ፍቓደኛ ምዃና ኣመልኪቱ።

ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ፕረዚደንት ትራምፕ ዓርቢ ኣብ ሙኒክ ዝካየድ ርክብ፡ ምስቲ ብቫንስ ዝምራሕ ልኡኽ ክህሉዉ ምዃኖም ኣሶሽይትድ ፕረስ ጠቒሱ ኣሎ። ኣብቲ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮን ናይ ቅድም ወታሃደራዊ ኣዛዚ ሌ/ጀነራል ኪትዝ ክሎግን’ውን ክህሉዉ’ዮም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ትማሊ ሰኑይ ምናልባት ምስ ዘለንስኪ ኣብዚ ሰሙን ክዘራረብ ከም ዝኽእል’ውን ሓቢሩ ነይሩ።