ሩስያ -- “ዩክሬን 65 ምሩኻት ኲናት ዝሓዘት ነፋሪት ኣውዲቓ”

ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ፡ ዩክሬን 74 ተሳፈርቲ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት ሃሪማ ከም ዘውደቐት ኣመልኪቱ። ካብቶም ተሳፈርቲ 65 ምሩኻት ኲናት ዩክሬናውያን ኰይኖም፡ ንምልውዋጥ እሱራት ናብ በልጎሮድ ዝተባህለ ኣብ ዶብ ሩስያ ዝርከብ ቦታ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ምዃኖም መግለጺ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ይሕብር። ሰብ-መዚ ዩክሬን ብዛዕባኡ ዛጊት መግለጺ ኣይሃቡን።

ነቲ ዜና ዘካፈለ ኣሶሸይትድ ፕረስ ነቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ብናጻ ምንጪ ከረጋግጾ ከም ዘይከኣለ ጠቒሱ ኣሎ። ዩክሬን’ውን ሩስያ ካብ እትፍንዎ ዝንቡዕ ሓበሬታ መራኸቢ ብዙሃን ክጥንቀቓ ከተመልክት ጸኒሓ’ያ። እንተዀነ ዩክሬን ኣብ ቀረባ እዋን ክልተ ነፈርቲ ኲናት ሩስያ ምውዳቓ’ውን ገሊጻ ነይራ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ምስልታት፡ እታ ነፋሪት ኣብ በረድ ዘለዎ በረኻ ክትወድእ ትርአ። ጠንቂ ናይቲ ምውዳቕ ግን ብናጻ ኣካል ኣይተፈልጠን ይብል ኣሶሸይትድ ፕረስ።