ሩስያ ብዝሒ ሰራዊታ ናብ 1.5 ሚልዮን ከተዕቢ ምዃና ገሊጻ

ፕረዚደንት ሩስያ ብላድሚር ፑቲን -ፋይል

ካብ ሃገራት ምዕራብ “ቀጻሊ ተጻብኦታት” ኣሎኒ እትብል ሩስያ፡ ክወርዳ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብዝሒ ሰራዊታ ናብ 1.5 ሚልዮን ከተዕብዮ ምዃና ገሊጻ። ኣብቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ትማሊ ሰኑይ ዝፈረሞ ድንጋገ ሰራዊት እታ ሃገር ካብቲ ዝጸንሖ ብዝሒ፡ 180-ሽሕ ክውስኽ’ዩ።

በዚ ሓድሽ መደብ፡ ሩስያ ኣብ ዓለም፡ ንቻይና ስዒባ፡ ዝበዝሐ ብዝሒ ሰራዊት ክህልዋ’ዩ። ቻይና 2 ሚልዮን ንጡፋት ኣባላት ሰራዊት ከም ዘለዉዋ ይግለጽ።

ወራር ዩክሬን ኣብ 2022 ካብ ዝጅምር ንደሓር እዚ ወሰኽ ወታሃደራት ሳልሳይ እብረ ምዃኑ’ዩ። ብዝሒ ምዉታትን ቍሱላትን ዛጊት ወግዓዊ ዘይግለጽ ኰይኑ፡ ኣብ ዩክሬን ጥራይ ኣስታት 700-ሽሕ ሰራዊት ሩስያ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይጠቅስ።