ዋሽንግተን —
ምብጻሕ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ናብ ግብጺ:ኢትዮጵያ: ኡጋንዳን ሪፖብሊክ ዲሞክራቲክ ኮንጎን ሩስያ ካብ ምዕራባዊያን ሃገራት ንዝበጽሓ ዘሎ ተሓታቲነት ቅልውላው መግቢ ዓለም ንምምካት ይመስል ክብሉ ተንተንቲ ይገልጹ።
ብመሰረት’ዚ፣ ሴርጌይ ላቭሮቭ፣ ትማሊ ሰንበት ኣብ ካይሮ ምስ ፕረዚደንት ኣል- ሲሲን ናይ ግብጺ መዘነኦም ሳሚህ ሹክሪ ተራኺቦም:ተዘራሪቦም ኣለው።ንሶም ብተወሳኺ ምስ ዋና ጸሓፊ ዓረብ ሊግን ተወከልቲ ትካላት ፖን ዓረብ’ውን ተዘራሪቦም።