ሩስያን ኤርትራን ዝርከብአን 35 ሃገራት ብኣመሪካዊ ኮሚሽን ብመግሃስቲ ሃይማኖት ‘ዘሻቕላ’ ተባሂለን

ኮምሽን ዓለም-ለኸ ነጻነት ሃይማኖት

Your browser doesn’t support HTML5

ሪፖርት ነጻነት ሃይማኖት

‘ሩስያ ልዕሊ ኩለን ሃገራት፣ ልዑል ሻቕሎት ፈጣሪት መግሃስቲ ሃይማኖታዊ መሰላት ኮይና ቀጺላ ከምዘላ’ ኣሜሪካዊ ኮምሽን ዓለም-ለኸ ነጻነት ሃይማኖት ጠቒሱ።

እቲ ኮምሽን ‘ሩስያ ትስዕቦ ፖሊሲ ንምምሕዳራዊ ምፍርራሕን ምእሳርን ከምዘስዐበ ገሊጹ። ዝሓለፈ ወርሒ ንይሖዋ መሰኻኽር ‘ጽንፈኛታት’ ኢላ ከምዝኣገደቶምን ንንብረቶም ከምዝወረሰትን ዝዝከር’ዩ።

ኮምሽን ዓለም-ለኸ ነጻነት ሃይማኖት ኣሜሪካ ‘ብዛዕባ ኤርትራ ክጠቅስ ከሎ ‘መንግስቲ ኤርትራ ንቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተቖጻጺርዋ፣ ንሙስሊማት እውን ይጭቁን ኣሎ’ ይብል።

‘ኢርትራ ንርእሰ-ጳጳሳት ኣንጦንዮስን ካልኦት እሱራት እምነትን ክትፈትሕ፣ ንመሰኻኽር የሖዋ ሙሉእ ዜግነቶም ክትመልሰሎምን ካልኦትን ብርክት ዝበሉ ነጥቢታት ንክተማልእን’ እቲ ኮምሽን ኣሚሙ ኣሎ።

ኮምሽን ዓለም-ለኸ ነጻነት ሃይማኖት፣ ናጻ ኮምሽን ፌደራል መንግስቲ’ዩ። ውክልና ክልቲኦም ፓርቲታት ዝኸሰበን ኣባላቱ ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝምረጹሉን ኮምሽን’ውን’ዩ።