ዋሽንግተን —
ዳገስታን ኣብ ዝተባህለት ደቡባዊት ኣውራጃ ሩስያ ብሰንበት ዕጡቓት ብዝገበሩዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ 15 ኣባላት ፖሊስን ሓደ ቀሺን ቀቲሎም። እቲ ትማሊ ሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያንን ምዅራብን (ቤት መቕደስ ኣይሁዱ) ዘነጻጸረ ምንባሩ ንምንጭታት ውሽጢ ሃገር ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ኣብቲ ዝበዝሑ ኣመንቲ እስልምና ዝርከቡዎ ኣከባቢ፡ መንግስቲ ሩስያ ነቲ መጥቃዕቲ ተግባራት ግብረ-ሽበራ ሰምዩዎ ኣሎ። ሽዱሽተ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ምቕታሎም’ውን ምንጭታት መንግስቲ ይጠቕሱ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ዞባ ካብ ሎሚ ሰኑይ ዝጅምር ናይ ሰለስተ መዓልታት ሓዘን ኣዊጁ ኣሎ።
ዛጊት ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ዝወሰደ ኣካል የሎን።